Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደሮች ኣብ ከይዲን ደረጃን ግድብ ህዳሰ ከምዝተደነቑ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መቐመጢኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበሩ ኣምባሳደራት ብከይዲ ህንፀትን ዝበፅሐሉ ደረጃን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሕዳሴ ከምዝተደነቑ ገሊፆም፡፡

ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ግድብ ህዳሰ ዑደት ገይሮም።

እቲ ዑደት ኣመልኪቶም ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር)፥ ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ ሃይድሮሜትር ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዘመዝገበቶ ዓወት ብሳይንሳዊ መገዲ ኣደጊፍና ዘቕረብናዮ መጥናዕቲ ኣብቲ ዑደት ብተግባር ዘርአናሉ ኢዩ ኢሎም።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ግድብ ህዳሰ ማይ ዓጊትካ ዘጥርፍ ጥራሕ ዘይኮነስ ንተፋሰስ ሃገራት እኹል ማይ ዝለቅቕ ከምዝኾነ እውን ነቶም ኣምባሳደራት ምግንዛብ ከምዝተኽኣለ ሓቢሮም።

ኣብቲ ዑደት ካብ ሞንጎ ዝተሳተፉ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ፥ ብከይዲ ህንፀትን ዝርከበሉ ብርኪን ከምዝተደነቑ ገሊፆም፡፡

“እቲ ግድብ ኣብዚ ንኽበፅሕ ዘይተቖጠበ ርብርብ ዝገበርኩም ህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያ እንኳዕ ደስ በለኩም” ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ብርእሰ ዓቕሚ ዓብዪ ኣሰር ወለዶ ምቕማጥ ምኽል ልዑል ኩርዓት ኢዩ፤ ኢትዮጵያ እውን እዚ አዕዊታ ኢያ” ዝበሉ ድማ ኣምባሳደር ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣኒል ኩማር ኢዮም።

ብሓፈሻ ብዛዕባ እቲ ግድብ ገለፃ ከምዝተገበረሎም ዝሓበሩ እቶም ኣምባሳደር፥ ግድብ ህዳሰ ዞባዊ ምትሕብባር ዘጠናኽር ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ረብሑኡ ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ንተፋሰስ ሃገራት ከምዝኾነ ከምዝተረድኡ ገሊፆም።

ብወንድሙ ኣዱኛ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.