Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ግርማ ተመስገን ምስ ሓላፊ ኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢ ፓርላማ ቱርክ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ታሕሳስ፣2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቱርኪ ኣምባሳደር ግርማ ተመስገን ምስ ሓላፊ ኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢ ፓርላማ ቱርክ ኣኪፍ ካጋታይ ኪሊክ ተዛቲዮም።

ኣምባሳደር ግርማ ኣብ ዘተኦም፥ ኣብ ክልል ትግራይ ብዛባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብ ሞንጎ ኣቢያተ ምኽሪ ኢትዮጵያን ቱርኪን ጥንኩር ርክብ ንምፍጣር ብዘኽእሉ ጉዳያት ተዛቲዮም።

ኣኪፍ ካጋታይ ኪሊክ ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ሃገሮም ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ልዑል ዋጋ ከምትህብን ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ብቕርበት ከምዝከታተሉን ተዛሪቦም፡፡

ኣብታ ሃገር ተመሊሱ ዘሎ ሰላም ብዝበለፀ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ዘለዎም እምነት ምግላፆም እውን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.