Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ድሪባ ኩማ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ስዊድንን ነርወይን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣምባሳደር ድሪባ ኩማ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ስዊድንን ነርወይን ተዛቲዮም።

ኣብቲ ዘተ ሓላፊት መምርሒ ጉዳያት ኣፍሪካ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ስዊድን አምባሳደር ኢሪና ሾውልጊን ኒዮኒን ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኖርወይ ሓላፊት መመርሒ ቀርኒ ኣፍሪካን ምዕራብ ኣፍሪካን ኤሊቤት ሽዋቤ-ሃንሰን ኣብ እዋናዊ ኩነታት እዛ ሃገር መብርሂ ሂቦም።

እቶም ኣምባሳደር ምስ እተን ሓለፍቲ ስራሕ፥ በቢውልቀ ብበየነ መረብ ኣቢሎም ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ኣብ ብሄራዊን ክልላውን ጉዳያት መብርሂ ሂቦም።

ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 1 ነጥቢ 8 ሚሊየን ንዝኾኑ ዜጋታት ህፁፅ ሰብኣዊ ደገፍ ከምዝቐረበ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ኣብ ጎንፂ ዶብ ኢትዮ-ሱዳን ኣድላይነት ዕርቀ ሰላም ብዝምልከት ብምብራህ፥ ሱዳን ካብ ግዝኣት ኢትዮጵያ እንተወፂኣ ነቲ ዕርቀ ሰላም ድልውቲ ከምዝኾነት ኣረዲኦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.