Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ይበልጣል ኣእምሮ ሱዳን ኣብ ዝርከብ ቤት ምህርቲ ሕብረት ስደተኛታት ኢትዮጵያውያን ጎብኒዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ይበልጣል ኣእምሮ ሱዳን ኣብ ዝርከብ ቤት ምህርቲ ሕብረት ስደተኛታት ኢትዮጵያውያን ዑደት ገይሮም።

እቶም ኣምባሳደር ኣብ ዑደቶም ምስ ተምሃሮ፣ መምህራንን ኣካላት ምምሕዳርን ከምኡ እውን ምስ ተወከልቲ ወለዲ ተዛቲዮም።

ተምሃሮ ታሪኽ፣ ባህሊን ቋንቋን ሃገሮም ብዘሓለወ መልክዑ ምምሃሮም፥ ሃገሮም ከይርስዑን ሃገሮም ዝፈትዉ ወለዶታት ኮይኖም ንኸዓብዩ ከምዝሕግዝ እቶም ኣምባሳደር ኣብቲ እዋን ገሊፆም።

ወለዲ ባዕልቶም ተወዲቦም ብውሱን ዓቕሞም ቆልዑት ብትምህርቲ ንምህናፅ ዝገብሩዎ ፃዕሪ ኣዚዩ ዝምስገን ተግባር ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም፡፡

እቶም ኣምባሳደር፥ እቲ ኤምባሲ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ምስ ዝርከቡ መንግስታዊን ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ብምውዳድ እቲ ቤት ትምህርቲ ንምጥንኻር ዝኸውን ሓገዝ ንምትእኽኻብ ፃዕሪ ከምዝገብር ምርግጋፆም ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.