Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ኣዲስኣለም ሁውከትን ጎንፂን ንምልዕዓልን ዕጡቓት ኣብ ምድጋፍን ይሰርሑ ነይሮም-መርማሪ ፖሊስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣምባሳደር ዶክተር ኣዲስዓለም ባሌማ ሁውከትን ጎንፂን ንምልዕዓልን ዕጡቓት ኣብ ምድጋፍን ይሰርሑ ነይሮም ክብል መርማሪ ፖሊስ ገሊፁ።

እቶም ኣምባሳደር ንመበል ሓምሻይ እዋን ሎሚ መዓልቲ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

ጎጅለ ምርመራ ፖሊስ ፌዴራል ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ኣራዳ ምድብ መጋባእያ ቆፀሮ ጊዘ ቅድመ ሐዚ ብዝተውሃቦ 14 መዓልታት ውሽጢ ዝሰርሖ ስራሕቲ ምርመራ ዕላዊ ገይሩ።

ኣምባሳደር ኣዲስዓለም፥ ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ሃገራት ዘለዋ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ንምሕርፋፍ ወይ ንምቁራፅ እንትሰርሑ ነይሮም፤ ምስ ዶክተር ደብረፂዮን ገብረሚካኤል ብሓባር ብምዃን ኣብ ምዕራብ ወለጋ ንዕጡቓት ኦነግ ሽኔ እታዎታትን ደገፍ ገንዘብን ብምግባር ይሰርሑ ከምዝነበሩ ከምኡውን ምስ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብምዃን ሁውከትን ጎንፂን ንምልዕዓል ይሰርሑ ከምዝነበሩ ዝገልፅ መረዳእታታት ቴክኒክን ካልኦት መረዳእታታትን ከምዝኣከበ መርማሪ ፖሊስ ገሊፁ።

ከምኡውን ልዕሊ 100 መሰኻኽር ሰብ ከምዝተቐበለን ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓት ዝበፅሐ መጠን ጉድኣት ብሰብሞያ ኣርእዩ ምስቲ መዝገብ ከምዘተሓሓዘ ገሊፁ።

ኣብ ዝተረፉ ስራሕቲ ማለት እውን ናብ ክልል ትግራይ ዝተልኣኸ ጉጅለ ምርመራ ውፅኢቱ ንምምፃእን ንዝተረፉ ስራሕቲን ጊዘ ከምዝደሊ መርማሪ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ተጠርጣሪ ዘርፈደ ጠበቐኦም ክሳብ ዝመፅእ ክፅበ ማለቶም ስዒቡ እቲ መጋባእያ ልዕሊ 30 ደቒቓ ተፀቢዩ ጠበቐኦም ብዘይ ምቕራቡ እቲ መዝገብ ንምርኣይ ተገዲዱ ኢዩ።

እቶም ተጠርጣሪ ናይ ዋሕስ ሕቶ ዘቕረቡ እንትኾኑ፥ እቲ ቤት ፍርዲ እውን ሕቶኦም ውድቂ ብምግባር መርማሪ ፖሊስ ዘቕረቦ ምኽኒያት ግቡእ ምዃኑ ብምግላፅ 14 ተወሳኺ መዓልታት ፈቒዱ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.