Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ኣደም መሓመድ ምስ ሓላፊ ሲቪል ኣቪዬሽን ቱርኪ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቱርኪ ኣደም መሓመድን ኤርያል ማናጀር መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ቱርኪ ምስ ሓላፊ ሲቪል ኣቪዬሽን ቱርኪ ፋኪያ ኣብደርህማን ምስ ጠጠባባቒ ዳይሬክተር ጀነራል ሲቪል ኣቪዬሽን ቱርኪ ፕሮፌሰር ዶክተር ከማል ዬኩሱክ ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ልዕሊ 100 ዓመት ዝፀንሐ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቀፃሊ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኣብ ዝኽእለሉ ጉዳይ ተመያይጦም፡፡

ኣምባሳደር ኣደም መገዲ ኣየር ኢትጵያ ካብ ኣፍሪካ ቀዳማይ መገዲ ኣየር ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዓውዲ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ልዑል ግደ እናተፃወተ ከምዝርከብ ምሕባሮም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ክልቲኦም መገዲ ኣየራት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝተፈረመ ስምምዕነት መሰረት ብምግባር ተንጠልጢሎም ኣብ ዘለዉ ጉዳያት ልዝብ ብምግባር ናብ ተግባር ምልዋጥ ኣድላዪ ስለዝኾነ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ናብ ኢትዮጵያ ብምዃድ ምስ መዘናታቶም ንኽኽትዩ ፕሮፌሰር ዶክተር ከማል ዬኩሱክን ሓቲቶም።

ክልቲኦም መገዲ ኣየራት ዛዓበየ ኣውሮፕላንን ካርጎን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኢስታንቡልን ንምጥቃም ምስምዕመዖም ዝዝከር ኢዩ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.