Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኣድሂበን ንምክትል ሚኒስትር ዓለም ለኸ ጉዳያት ትሕቲ ሰሃራ ገለፃ ገይረናለን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ሕዳር፣2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ካናዳ ናሲሴ ጫሊ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኣድሂበን ንምክትል ሚኒስትር ዓለም ለኸ ጉዳያት ትሕቲ ሰሃራ ማላ ካሃና ካናዳ ገለፃ ገይረን።
እተን ኣምባሳደር ኣብ እዋን ገለፀአን፥ መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝወሰዶ ስጉምቲ ምኽር ሕጊ ኣመልኪተን መብርሂ ሂበን።
እቲ ወፍሪ ኣብ ኢትዮጵያ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ንምድሓንን ጥፍኣተኛታት ናብ ሕጊ ብምቕራብ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጥቢቐን ገሊፀን።
እተን ኣምባሳደር፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ንምሕጋዝ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ንምስራሕ ቁርኛን ድሉውን ከምዝኾነ እውን ኣረጋጊፀን፡፡
ኣብ ካናዳ ምክትል ሚኒስትር ዓለም ለኸ ጉዳያት ትሕቲ ሰሃራ ማላ ካሃና ብግደአን፥ ብኣምባሳደር ናሲሴ በአምባሳደር ናሲሴ ዝተገበረለን መብርሂ ኣመስጊነን፤ መንግስቲ ካናዳ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኢትጵያ ደው ከምዝብል ገሊፀን።
ዝተመዛበሉ ዜጋታት መሊስካ ንምጥያሽን ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታትን መሊስካ ኣብ ምህናፅ መንግስቲ ካናዳ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ምርግጋፀን ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ካናዳ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.