Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ነብያት ንኣፍሪካፖል ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብምድሃብ መብርሂ ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣልጄሪያ ኣምባሳደር ነብያት ተቐማጥነቱ ኣብ ኣልጄሪያ ንዝገበረ ኣፍሪካፖል ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብምድሃብ መብርሂ ሂቦም።

እቲ መብሪሂ ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዝተኻየደ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊን ምንቅስቓስ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ጎንፂ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ደርድር ግድብ ህዳሰን ዝምልከት ኢዩ።

ኣምባሳደር ነብያት ምስ ዶክተር ጣሪቅ ሸሪፍ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ክልል ትግራይ ዝገበሮ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ምዝዛሙን ኣብቲ ክልል ሰብኣዊ ሓገዝ ብምትሕብባር መንግስቲን ዝተፈላለዩ ዓለም ለኻዊ ትካላትን ንምብፃሕ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ኣዘኻኺሮም።

ብተወሳኺ ስደተኛታት ብምትእንጋድ ኣብ ቀረባ እዋን ኮሚሽነር ስደተኛታት ትካል ሕቡራት መንግስታት ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ዑደት ከምዝገበሩን ኣብ ቀፃሊ ስራሕቲ ብዝምልከት ምስ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ብምዃን ዘተ ከምዝተገበረ ኣፍሊጦም።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝተፈጠረ ጎንፂ ዶብ ብዝምልከት ታሪኻዊ ኩነታቱ ብምግላፅ ኢትዮጵያ፥ ሱዳን ናብ ንቡር ቦታኣ ተመሊሳ ድርድር ምግባር ይግባኣ ብምባል እቲ ፀገም ብዘተ ጥራሕ ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል እምነት ከምዘለዋ ገሊፆም።

ዶክተር ሸሪፍ ብግደኦም፥ ዶብ ሰገር ጎንፂታት ንከይጋደዱ ብዘተ ምፍታሕ ኣድላዪ ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.