Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ፀሓፊ ፓርላማ ካናዳ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ፀሓፊ ፓርላማ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ካናዳ ሮበርት ኦሊፋንት ዘቲዮም።

ኣምባሳደር ታዬ፥ ካናዳ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ንኢትዮጵያ እትገብሮ ዘላ ብዙሕ ደገፍ ንኢዶም።

ርክብ ክልቲአን ሃገራት ክብ ምባል ኣድላዪ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

ርክብ ንግዲን ኢንቨስትመንትን እተን ሃገራት ምጥንኻር ከምዝግባእ ብምግላፅ፥ ሰብ ሃፍቲ ካናዳ ኣብ ዓውዲ ዲጂታል፣ ዕደና፣ ኢነርጂን ማኑፋክቸሪንገን ኢንቨስት ንክገብሩ ሓቲቶም።

ሮበርት ኦሊፋንት ብግደኦም፥ ኣብ ርክብ ወፃኢ ካናዳ ቀዳማምነት ካብ ዝወሃበን ሃገራት ኣፍሪካ ሓንቲ ኢትዮጵያ ከምዝኾነት ገሊፆም።

ካናዳ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ንግዲን ኢንቨስትመንትን፣ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ምትሕብባር ልምዓት ወዘተ ርክበን ክብ ምባል ባህጊ ከምዘለዋ እውን ምዝራቦም ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.