Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ዝተፈላለያ ሃገራ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ዝተፈላለያ ሃገራ ተዛቲዮም።

ኣምባሳደር ታዬ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ማእኸላይ ኣፍሪካ ሪፐብሊክ ሲልቪ ባይፖ-ተሞን ኣብ ክልተኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ጠሚቶም ተዛቲዮም።

ብተመሳሳሊ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፖርቹጋል ጃኦ ጎሜዝ ክራቪኝዎ ኣብ ክልተኣዊን ዓለም ለኻን ጉዳያት ከምዝዘተዩ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቶም ሚኒስትር ኢትዮጵያ ምስ ፖርቹጋል ኣብ ዓውዲታት ቱሪዝም፣ ትምህርቲ፣ ንግዲን ኢንቨስትመንት ተሓባቢራ ክትሰርሕ ከምትደሊ ገሊፆም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፖርቹጋል ጃኦ ጎሜዝ ክራቪኝዎ ብግደኦም÷ ሃገሮም ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብ ምትግባር ሓገዝ ከምትገብር ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.