Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ታዬ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጅቡቲ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ዝተመርሐ ልኡኽ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምክያድ ናብ ጂቡቲ ኣምሪሑ።

ኣምባሳደር ታዬ ኣብ ፃንሒቶም ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጅቡቲ ማህሙድ ዓሊ የሱፍ ዘቲዮም።

ክልቲኦም ወገናት ከልቲኣዊ ርክብ ንምጥንኻርን ኣብ ቁልፊ ቀጣናዊ ጉዳያት ሓቢርካ ንምስራሕን ምልዛቦም ተገሊፁ።

ኢትዮጵያን ጅቡቲን ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ፣ ንግዲን ኣገለግሎት ወደብን ዘለወን ረክብ ክብ ምባል ኣብ ዘኽእል ኩነታት ምዝታዮም ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.