Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ተፈራ ደርበው ምስ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፈንድ ልምዓት ኣፍሪካ ቻይና ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ተፈራ ደርበው ምስ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፈንድ ልምዓት ኣፍሪካ ቻይና ሺ ዌንጁ ተዛቲዮም።

እቲ ዘተ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ፎረም ኢንቨስትመንትን ኣማራፅታት ኢንቨስትመንትን ዝጠመተ ኢዩ ነይሩ ተባሂሉ።

ሺ ዌንጁ፥ ፈንድ ልምዓት ኣፍሪካ ኣብታ ኣህጉር ኢንቨስት ብምግባርን ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት ኣብ ምፍላጥን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ፈንድ ልምዓት ቻይና ኣብ ቀፃሊ ወርሒ ሰነ ኣብ ዘዳልዎ ሲምፖዚየም ፋይናንስን ኢንቨስትመንትን ቻይና- ኣፍሪካ ኣምባሳደር ተፈራ ደርበውን ካልኦት ሰራሕተኛታትን ንክሳተፉ ኣንጊዶም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.