Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ተፈሪ መለሰ ምስ ሚኒሰስትር እንግሊዝ ጉዳያት ኣፍሪካ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጵጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ብሪታኒያ ኣምባሳደር ተፈሪ መለሰ ምስ ሚኒሰስትር እንግሊዝ ጉዳያት ኣፍሪካ ቪኪ ፎርድ ተዛቲዮም።

ኣምባሳደር ተፈሪ መለስ ኣብ ዘተኦም ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቶም ገለፃ ዝገበሩ እንትኾኑ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብሕብረት ኣፍሪካ ዝምራሕ ከይዲ ሰላም ውዱቕ ብምግባር ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዳግ፣ ወራር ከምዝፈፀመ ኣብሪሆምለን፡፡

ኣብ ትሕቲ ፅላል ሕብረት ኣፍሪካ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ንዝግበር ዘተ ሰላም መንግስቲ ቆራፅ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር፥ ብሪታኒያ ኣብዚ ዘለዋ ዘለዋ ቅዋም ንኢዶም።

እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን እናገበሮ ዝርከብ ወራር ጠጠው ንኸብል እተን ሚኒትር ንዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ እውን ኣመስጊኖም፡፡

እተን ሚኒሰስትር ብግደአን፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍሊታት ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ድርቂን ንዑኡ ስዒቡ እናጋጠመ ዝርከብ ድሌት ሰብኣዊ ሓገዝን ከምዘተሓሳስበን ገሊፀን፡፡

እቲ ፀገም ንምፍታሕ ዘኽእል ሓገዝ ንምግባር ዘለወን ቆራፅነት ምግላፀን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.