Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ተሾመ ቶጋ ምስ ተወካሊ ፕሮግራም ልምዓት ውሕመ ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽነር ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ዘምባሳደር ተሾመ ቶጋ ምስ ተወካሊ ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ዩኤንዲፒ) ኣብ ኢትዮጵያ ሳሙኤል ዶ ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ÷ እቲ ኮሚሽን ካብ ዝጣየሽ ጀምሮ ብዩኤንዲፒ ዝተፈላለየ ሓገዝ እናተገበረሉ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቶም ኮሚሽነር÷ ዩኤንዲፒ ብሓይሊ ሰብ፣ ኣወዳድባ፣ ምድላው ፕሮግራም፣ ናይ ቢሮ መገልገሊን ተሽከርከርቲን ሓገዝ ምግባሩ ብምሕባር፤ እቲ ሓገዝ ልኡኽቶ እቲ ትካል ውፅኢታዊ ክሳብ ዝኸውን ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ሓቲቶም።

ተወካሊ ዩኤንዲፒ ኣብ ኢትዮጵያ ሳሙኤል ዶ ብግደኦም÷ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ሓገዝን ምትሕብባርን ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣረጋጊፆም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ነበር ተዋጋእቲ መሊስካ ንምጥያሽ ዝተሰናደአ ፕሮግራም ማእኸል ዝገበረ ርክብ ምትሕብባር ኣብ ምዕዋት ምርብራብ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

እቲ ፕሮግራም ንምዕዋት ሃፍቲ ኣብ ምትእኽኻብ ትኹረት ብምግባር ከምዝሰርሑ ምግላፆም ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.