Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ብናልፍ ርክብ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምዝሰርሑ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ፍሉይ ልኡኽን በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደርን ፌ.ዲ.ሪ.ኢ ብናልፍ ኣንዱአለም ቅዳሕ ደብዳበ ሽመቶም ኣብ ስቴት ዲፓርትመንት ኣሜሪካ ንተጠባባቒ ፕሮቶኮል ሹም ኣቢ ጆንስ ኣቕሪቦም።

እቶም ኣምባሳደ ደብዳበ ሽመት ኣብ ዘቕረቡሉ እዋን ኣብ ዝተገበረ ዘተ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ንነዊሕ ግዘ ዝፀንሐ ርክብ ከምዘሎ ኣልዒሎም።

ኣብ ቀፃሊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ብትኹረት ከምዝሰርሑ እውን ገሊፆም።

ኣቢ ጆንስ ብግደአን፥ እቶም ኣምባሳደር ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ንምጥንኻር ኣብ ዝውግኑዎም ተግባራት ኣድላዪ ምትሕብባር ከምዝገብራ ቃል ምእታወን ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.