ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዘቲየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ካርል ስካዉ ዘቲየን።
ኣምባሳደር ብርቱካን እቲ ትካል ካብ ምስረትኡ ጀሚሩ ንኢትዮጵያ ዝገብሮ ድጋፍ ኣመስጊነን።
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ናይ ነዊሕ እዋን ምትሕብባር ከምዘሎ እውን ኣዘኻኺረን።
ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ምስቲ ትካል ዘለዋ ርክብ ንምጥንካር ድልዉቲ ምዃና ብምግላፅ፥ እቲ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ብጎንፂን ድርቅን ንዝተጎድኡ ዜጋታት ዘቕርቦ ድጋፍ ከቀላጥፍ ፃዊዒት ኣቕሪበን።
ሓገዝ ምግቢ ንዘይዝተደለየ ዓላማ ምስ ምዉዓል ተዛሚዱ አብ ዝለዓሉ ጉዳያት ዝተጀመረ ምርመራ ምቕፃል ኣድላዩ ከም ዝኾነ እተን ኣምባሳደር ገሊፀን።
ከይዲ እቲ ምርመራ ከምዘሎ ኮይኑ እቲ ትካል ዘቋረፆ ቐረብ ሓገዝ መግቢ ንክጅምር ምሕታተን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።