Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ስለሺ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ድምፂ ኢትዮጵያን ንምስማዕ ሰላማዊ ሰልፊ ንዝገበሩ ኣባላት ዳያስፖራ ንኢዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ስለሺ በቀለ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ድምፂ ኢትዮጵያን ንምስማዕ ሰላማዊ ሰልፊ ንዝገበሩ ኣባላት ዳያስፖራ ናእደኦም ገሊፆም።

ካብ ከባቢ ዋሸንግተን ዲሲን ካልኦት ግዝኣታትን ብምትእኽኻብ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝግበር ፅዕንቶን ወፍሪ መራኸብቲ ሓፋሽን ብምቅዋም ብሰላማዊ መገዲ ድምፂ ተቓውሞኦም ንዘስምዑ ኣባላት ዳያስፖራ ልዑል ናእዳ ምቕራቦም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ትማሊ ምሸት ኣብ ኣሜሪካ ከተማ ዋሸንግተን ዲሲ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዳግም ዝኸፈቶ ኲናት ዝኹንን ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

እቲ ሰልፊ “ብሓድነት ሃገር ኣይንደራደርን!” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ቅድሚ ቤት ዕዮ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ከምዝተኻየደ ግዜኢ ፀብጺቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.