Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ምስ ሓጋዚ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ምስ ሓጋዚ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዴንግ ሊተዛቲዮም።

እቲ ዘተ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ቻይና ወሳኒት ፈታዊት ኢትዮጵያ ከምዝኾነት ኣምባሳደር ሬዲዋን ተዛሪቦም።

ክልቲአን ሃገራት ብፖለቲካ፣ ንግዲ፣ ኢኮኖሚን ሰብዓዊ ጉዳያትን ዝጠበቐ ርክብ ከምዘለወን እውን ገሊፆም።

ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበር ጣልቃ ኣታውነት ወፃኢ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ብምቅዋማ አመስጊኖም።

ብተወሳኺ ቻይና ኣብ መሰረተ ልማት፣ ኢኮኖሚ፣ ኢንቨስትመንትን ቴክኒካዊ ምትሕብባርን  ንዝገበረቶ ኣስተዋፅኦ ንኢዶም።

ሓጋዚ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዴንግ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያን ቻይናን ኩለ መዳይ ሰትራቴጂካዊ ምትሕብባር ከምዘለወን ገሊፆም።

እተን ሃገራት ምልባዕ ቫይረስኮሮና ኣብ ምክልኻል ውፅኢታዊ ምትሕብባር ምግባረን አውቅን ኣብቲ ዘተ ገሊፆም።

ቻይና  ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ብክልቲኣዊን ካልኦት ጉዳያትን ንምጥንኻር ባህጊ ከምዘለዋ ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.