Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ምስ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ምስ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ጆሴ ማሲንጋ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያ ዘቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ሓራዊ ኣብ ዝኾኑ እዋናዊ፣ ክልተኣዊ፣ ዞባዊን በዓልብዙሕ ጉዳያትብ ጠሚቶም ከምዝዘተዩ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ጉዳይ ትምህርቲ፣ ኣቪዬሽን፣ ንግዲን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢን ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝኽእሉሎም ጉዳያት እውን ዘቲዮም።

ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣብቲ እዋን ክልቲአን ሃገራት ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ዝጀመራሉ መበል 120 ዓመት ምስረታ በዓል ምኽባር፥ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ ከምዘኽእል ሓቢሮም፡፡

ኣምባሳደር ማሲንጋ ብግደአን እቲ በዓል ክልተኣዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ብምጥንኻር ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምዕባይ ከምዝሕግዝ ዘለዎም እምነት ገሊፆም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.