Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፓኪስታን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፓኪስታን ቢልዋል ቡቶ ዛዲሪ ተዛቲዮም።

እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ኣብ ዘተኦም÷ ኢትዮጵያ ምስ ፓኪስታን ዘለዋ ኩለመዳይ ርክብ ንምምሕያሽ ቆራፅ ከምዝኾነት ተዛሪቦም።

ርክቦም ብዝተፈላለዩ ማዕቐፋት ምትሕብባር ንኽጠናኸሩ እናተገበረ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ብክልተኣዊ ርክብ ዝተጀመረ ርክበን ዞባዊ ናብ ዝኾኑ ሓራዊ ጉዳያት ከምዝጠናኸር ገሊፆም፡፡

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፓኪስታን ቢልዋል ቡቶ ዛዲሪ ብግደኦም÷ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ክብ ናብ ዝበለ ደረጃ ንምዕባይ በመንግስቲት ክልቲአን ሃገራት ዝነኣዱ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ፀሪሖም፡፡

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ካራቺ – ኣዲስ ቀጥታ በረራ ምጅማሩ ርክብ ክልቲአን ሃገራት  እናተጠናኸረ ምምፅኡ ዘርኢ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ኢዝላማባድ ኤምባሲ ምኽፋታ ኣብ ርክበን ሓዱሽ ምዕራፍ ከምዝኸፈተ እውን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዛዲሪ ኣዘኻኺሮም።

ናብ ፓኪስታን ብምቕናዕ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ እናሳለጠን ኣብ ቢዝነስ ጉባኤታት እናተሳተፈን ዝርከብ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ካራቺ ዝነበሮ ፃንሒት ዛዚሙ ናብ ኢዝላማባድ ምኻዱ ካብ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.