Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ምስጋኑ ምስ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሶማሊያ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ምስ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሶማሊያ ዓሊ ሞሃመድ ኦማር ዘቲዮም።

ኣብቲ ዘተ፥ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ምጥንኻርን ስምምዕነት ኣንካራ መትግባርን ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት መልዛቦም ተሓቢሩ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሰላም ንምንጋስን ምዕባለ ንምርግጋፅን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ምጥንኻር ከምዝግባእ ዝተዛረቡ እቶም ሚኒስትር ዴኤታታት፥ እቲ ርክብ ንምጥንኻር ምልዛቦም ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.