Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ማርቆስ ተክሌ ምስ ሓጋዚ ሚኒስትር ዱዳያት ወፃኢ ግብፂ ኣብ ግድብ ህዳሰ ኣድሂቦም ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ግብፂ ማርቆስ ተክሌ ምስ ሓጋዚ ሚኒስትር ዱዳያት ወፃኢ ግብፂ ኣምባሳደር ሼሪፍ ኢሳ ኣብ ግድብ ህዳሰ ኣድሂቦም ተዛቲዮም።

ኣምባሳደር ማርቆስ ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ዘለዋ ቅዋም ኣመልኪቶም መብርሂ ሂቦም።

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ኢትዮጵያ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ምስ ተፋሰስ ሃገራት ዘለዋ ኣፈላላይ ብዝርርብ ንምፍታሕ ዘለዋ ድልዉነት ኣመልኪቶም ገሊፆም።

ሓጋዚ ሚኒስትር ዱዳያት ወፃኢ ግብፂ ኣምባሳደር ሼሪፍ ኢሳ ብግደኦም፥ ሃገሮም ምስቲ ግድብ ተተሓሒዙ ዘለዉ ኣፈላላያት ብድርድር ንምፍታሕ ድሌት ከምዘለዋ ንኣምባሳደር ማርቆስ ተክሌ ገሊፆምሎም።

እቶም ኣምባሳደራት ኣብ ዘተኦም፥ ክልተኣዊ ርክብ ኢትጵያን ግብፂን ኣመልኪቶም ልዝብ ግባሮም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.