ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ሮላንድ ኮብያ ኣብ ዩንቨርስቲ ዓዲግራት ዑደት ኣሳሊጦም
ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ሮላንድ ኮብያ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዩንቨርስቲ ዓዲግራት ዑደት ኣሳሊጡ።
እቶም ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ዩኒቨርስቲ፥ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝነበረ ኲናት ኣብ ልዕሊ እቲ ዩንቨርስቲ ዝበፅሐ ዕንወት ብምፅጋን እቲ ዩንቨርስቲ ናብ ንቡር ንምምላስ ዘኽእል ዘተ ኣሳሊጦም።
ኣምባሳደር ሮላንድ ኮብያ፥ ኣብቲ ዩንቨርስቲ ዝበፅሐ ዕንወት ተዘዋዊሮም ከምዝተዓዘቡ ዩንቨርስቲ ዓዲግራት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ገሊፁ።
ድሕሪኡ ድማ ብሓፈሻ ዝበፀሐ መጠን ዕንወት ሐዚ ዝርከበሉ ኩነታትን ብዝምልከቶም ኣመራርሓ መብርሂ ከምዝተዉሃበ ተገሊፁ።
ካብ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ዩንቨርስቲ፥ ኣብ ዩንቨርስቲ ዓዲግራት ዝበፅሐ ዕንወትን ሐዚ ዘለዎ ኩነታትን ዝጥምት ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ ብምቕራብ መብርሂ ከምዝተውሃበ እውን ተገሊፁ።
ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ምስ ሕብረት ኣውሮፓ ብምትሕብባር ዝሰርሖ ዘሎ ፕሮጀክት ምርግጋእን ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ምዕባለን ዝምልከት እውን ኣካል እቲ ዘተ ነይሩ።
ኣብ መወዳእታ እቲ ዘተ፥ ክልቲኦም ወገናት ርክባቶምን ትሕብባሮምን ንምጥንኻር ከም ዝተሰማዕምዑ ተሓቢሩ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።