Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ሓሰን ታጁ ምስ ፕሬዚዳንት ሴንጋል ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ሓሰን ታጁ ምስ ፕሬዚዳንት ሴንጋል ማኪይ ሳል ተዛቲዮም።

እቶም መራሕቲ፥ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ዛዓባታት ብምድሃብ ኢዮም ተላዚቦም።

ኣምባሳደር ሓሰን ታጁ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝጀመሮ ኩለ መዳይ ሪፎርም ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

እቲ ዝተጀመረ ሪፎርም ጁንታ ህወሓት ክኸብሶ ከምዝፈተነ ዝሓበሩ እቶም ኣምባሳደር፥ መንግስቲ ኣብ እዋን ምኽባር ሕጊ ነቲ ሓይሊ ጥፍኣት ከምዘወገዶ ተዛሪቦም።

መንግስቲ ኣብ ህዳሰ ግድብን ዶብ ኢተዮ-ሱዳንን ዘለዎ ቅዋም ብዝምልከት እውን ኣረዲኦም።

ከምኡ እውን ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ነፃ፣ ፍትሓዊን ዲሞክራሲያዊን ንምግባር ይሳራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ፕሬዚዳንት ማኪይ ሳል ብግደኦም፥ እቶም ኣምባሳደር ንዝገበርሎም መብርሂ አመስጊኖም።

ኣብ ክሊ ህዳሰ ግድብ ዝግበር ድርድርን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ውጥጥ ዶብን ብሰላም ንክዛዘም ተስፋ ከምዝገብሩ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.