ኣምባሳደር ሌንጮ ምስ ሚኒስትር ዴኤታታት ጉዳያት ቆንስላ ጉዳያት ኣፍሪካን ሚነስቴር ጉዳያት ወፃኢ ስዑድ ዓረብ ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፍሉይ ልኡኽን በዓል ሙሉእ ስልጣንን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣምባሳደር ሌንጮ ባቲ ምስ ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ኣፍሪካ ስዑድ ዓረብ ኣምባሳደር ኣሕመድ ቀጣንን ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ቆንስላ እታ ሃገር ኣምባሳደር ተሚም ኣል-ዶሰሪን ተዛቲዮም።
ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ርክብን ኣብ ካልኦት ሓበራዊ ዞባዊ ጉዳያትን ከምኡ እውን ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ኣመልኪቶም ምዝታዮም ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ምስ እዚ ተተሓሒዙ ጉዳይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ዜጋታት፣ ፈቓድ መንበሪ ዝተቓፀሎምን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣብ ስዑድ ዓረብ እናነበሩ ዝፀንሑ ዜጋታት ብፍቓዶም ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅፅት ገንዘብን ማእሰርቲን ብድሌቶም ናብ ሃገር ኣብ ዝምለሱሉ ኩነታት፣ ኣብዚ ሰሙን እናተገበረ ብዛዕባ ዝርከብ ሓፈሳ ፖሊስ ከምኡ እውን ኩነታት ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ዝምልከት ልዝብ ተኻይዱ።
እቲ ጉዳይ ብቅልጡፍ መፍትሒ ንኽረክብ ብመንግስታት ኢትዮጵያን ስዑድ ዓረብን ትኹረት ተዋሂቡሉ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን እቲ ጉዳይ መዕለቢ ክሳብ ዝረክብ ጥንቃቐ ብዝተመልኦ ኩነታት ብትዕግስቲ ንኽፅበዩ እቲ ኤምባሲ ኣተሓሳሲቡ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…ይግበሩ/ራ!