Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደራት ክብሪ ኢትዮጵያ ኣብ ምሕላው ንኽሰርሑ ዘኽእል መምርሒ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደራት ኣብ ዝዋፈሩሉ ዓውዲን ሃገራትን ብሄራዊ ረብሓን ክብሪን ኢትዮጵያ ኣብ ምሕላው ብትግሃት ኣብ ዝሰርሑሉ ኩነታት ምውፋርን መምርሒን ተዋሂቡ፡፡

ሓደሽቲ ንዝተሾሙ ኣምባሳደራት እናተውሃበ ዝነበረ ስልጠና ተዛዚሙ፡፡

ኣብቲ መዛዘሚ መድረኽ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴን ሚኒስትር ዴኤታ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋን ተረኺቦም፡፡

ሓደሽቲ ዝተሾሙ ኣምባሳደራት÷ ኣብ ዝዋፈሩሉ ዓውዲ ስራሕ ናይ 100 መዓልቲታት ትልሞም ብምቕራብ ገምጋማዊ ዘተ ከምዝተገበረ ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣመልኪቱ፡፡

እቶም ኣምባሳደራት ኣብ ዝዋፈሩሎም ዓውዲታትን ሃገራትን ብሄራዊ ረብሓን ክብሪን ኢትዮጵያ ኣብ ምኽባር ክውግኑዎም ኣብ ዝግብኡ ቀንዲ ጉዳያት ዘድሀበ መምርሒ ስራሕን ምውፋርን ከምዝተውሃበ ተገሊፁ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.