Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደራትን መዳርግቲ ኣካላትን ሃገራት ኣውሮፓ ስራሕቲ ልምዓት ኢትዮጵያ ከምዝድግፉ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለዩ ኣምባሳደራትን መዳርግቲ ኣካላትን ሃገራት ኣውሮፓ ትልሚን ስራሕቲ ልምዓትን ኢትዮጵያ ከምዝድግፉ ገሊፆም።

ሚኒስትር ግብርና ዶክተር ግርማ ኣመንቴ፥ ምስ ኣምባሳደራት ሃገራት ዴንማርክ፣ ኖርዌይ፣ ኔዘርላንድን ሕብረት ኣውሮፓንን ኤጀንሲ ትሕብብር ልምዓት ፈረንሳይን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ዘቲዮም።

ኣብቲ ዘተ ዓውዲ ገብርና ኣብ ምዝማንን ኩታ ገጠም ስራሕቲ ልምዓት ሕርሻን ደገፍ መዳርግቲ ኣካላት ልዑል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣናእሽተይ ሕርሻታት መሬት ንዘለዎም ሓረስቶት ብክላስተር ብምውዳብ ናብ ኢንተርፕራይዝ ንክዓብዩ ንምግባር ፋይናንስ ናይ ምድላይ ስራሕ ከምዝስራሕ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቶም ኣምባሳደራትን መዳርግቲ ኣካላትን ሃገራት ኣውሮፓ ብግደኦም፥ ስራሕቲ ልምዓት ኢትዮጵያ ከምዝድግፉ ገሊፆም።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.