ኣሜሪካ 2 ቢሊየን ዶላር ዘውፅእ ተወሳኺ ደገፍ ኣፅዋር ኲናት ንዩክሬን ተዳሉ ኣላ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ 2 ቢሊየን ዶላር ዘውፅእ ተወሳኺ ደገፍ ኣፅዋር ኲናት ንዩክሬን ተዳሉ ከምዘላ ገሊፃ።
ዩክሬን ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሩሲያ ስጉምቲ መሊስካ ምጥቃዕ ምውሳድ ምጅማራ ስዒቡ ዝግበር ዘሎ ደገፍ ኣፅዋር ኲናት ከምዝኾነ ተገሊፁ።
እቲ ደገፍ ክልተ ዓይነት ሚሳኤላት ዘካተተ ከምዝኾነ ብሉምበርግ ፀብፂቡ።
ኣብ ቀፃሊ ሰሙን ካብ ፀላኢ ዝውንጨፍ ባላስቲክን ክሩዝ ሚሳኤላትን ዘፍሽል ከምኡውን ወተሃደራዊ ኣውሮፕላናት ናይ ምውቃዕ ብቕዓት ዘለዎ “ፒ.ኤ.ሲ- 3” ዝተብሃለ ዘመናዊ ሚሳኤልን ካሊእ ብትእዛዝ ምምራሕ ዘመናዊ ሚሳኤል ንዩክሬን ከምዝወሃባ ተገሊፁ።
ኣሜሪካ ኣብ 1960 ‘.ም.ፈ ናብ ኣገልግሎት ዘእተወቶ ኤም. ኣይ. ኤም 23 ሚሳኤል እውን ብምሕዳስ ንዩክሬን ንምልኣኽ ምድላዋ ኣፍሊጣ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።