Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምቁፅፃር ዝውዕል 3 ትሪልየን ዶላር ከምእትልቃሕ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)አዳሜሪካ ዝርገሐ ለበዳ ቫይረስኮሮና ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ብምኽንያት እቲ ሕማም ዘጋጠማ ፅዕንቶ ኢኮኖሚ ንምምካትን ዝዓለመ 3 ትሪልየን ዶላር ክትልቃሕ እያ ተባሂሉ።

እዚ መጠን ልቓሕ  ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ናይ መጀመርታ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ቅድሚ ሕዚ እውን ምምሕዳር ትራምፕ ለበዳ እቲ ቫይረስ ንምግታእን ብሰንኪ ቫይረስኮሮና ንዜጋታት ንምሕጋዝን ተለቂሑ ምንባሩ ይዝከር።

እታ ሃገር ቦንድ መንግስቲ ብምሻጥ እያ ልቓሕ ክትወስድ።

እዚ ብልቓሕ ዝርከብ ገንዘብ በቲ ቫይረስ ንዝተሃስዩ ብገንዘብ ንምዱጓምን ስርዓት ጥዕና እታ ሃገር ንምጥንኻርን ዝውዕል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ጠቕላላ ዕዳ ኣሜሪካ ኣስታት 25 ትሪልየን ዶላር በፂሑ ኣሎ ተባሂሉ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.