Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ኤችኣይቪ/ኤድስ ንምግታእ ዝውዕል 111 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ንኢትዮጵያ ዕላዊ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ትልሚ ህፁፅ እዋን ድጋፍ ኤድስ ኣሜሪካ ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2030 ኤችኣይቪ/ኤድስ ንምጥፋእ ትገብሮ ፃዕሪ ንምሕጋዝ ዝውዕል ሓገዝ 111 ሚሊየን ዶላር ዕላዊ ገይሮም።

መተሓባበሪ ዓለም ለኸ ኤድስ ኣሜሪካን ላዕለዋይ በዓል መዚ ሓለዋ ጥዕና ዓለምን ዲፕሎማሲ ድሕንነት ጥዕናን ኣምባሳደር ዶ/ር ጆን ንኬንጋሶንግ እቲ ሓገዝ ከምዝፀደቐ ዕላዊ ገይሮም፡፡

2ይ ትልሚ ዓመት ኮፕ-23 ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኣሜሪካ ትልሚ ህፁፅ እዋንን ሚኒስቴር ሓለዋ ጥዕናን ኢትዮጵያ ተጠቃዕቲ ኤችኣይቪ ቫይረስ ንምሕጋዝ ዘሎዎም ምትሕብባር ዝውክል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብኣምባሳደር ንኬንጋሶንግ እቲ ሓገዝ ምፅዳቑ ኢትዮጵያ እቲ ለበዳ ንምቁፅፃር ኣብ ዘኽእል መገዲ ምዃና ከምዘረጋግፅ ተመልኪቱ፡፡

እቲ ፕሮግራም ምስ ሚኒስቴር ጥዕናን ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ከባቢያዊ ኣፈላላይ ብዘይብሉ ቁልፊ ክፋላት ማሕበረሰብ ምክልኻል ኤችኣይቪ፣ ክንክንን ሕክምናን ዘለዎ ክፍተት ኣብ ምፅባብ ዘድሀበ ትልሚ ከምዝተሓንፀፀ ተገሊፁ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 21 ዓመታት ንኤችኣይቪ ትህቦ ምላሽ እቲ ፕሮግራም እናደገፈ ምፅንሑ ካብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.