Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ንዩክሬን 425 ሚሊየን ዶላር ወተሃደራዊ ደገፍ ከምእትገብር ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ንዩክሬን 425 ሚሊየን ዶላር ወተሃደራዊ ደገፍ ከምእትገብር ኣፍሊጣ።

ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ምስ ፕሬዚዳንት  ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘነልስኪ ብቴሌፎን ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ኢዩ እቲ ደገፍ ዕላዊ ኮይኑ።

ፕሬዚዳንት ባይደን፥ ሃገሮም ሰራዊ ዩክሬን ንምጥንኻር ተወሳኺ መከላኸሊ ኣየር፣ ተተኳሲን ወተሃደራዊን ኣገልግሎት ዝህቡ ተሽከርከርቲ ደገፍ ከምእትገብር ኣረጋጊፆም።

ሚኒስቴር ምክልኻል ኣሜሪካ፥ ኣብቲ ደገፍ ዘበናዊያን ሚሳኤላት ምክልኻል ኣየርን ኣብ ሓደ እዋን ክሳብ ሽዱሽተ ዝኾና ሮኬታት ምውንጫፍ ዘኽእል መሳርሒ (ሂማርስ) ከምዝተኻተቱ ኣፍሊጡ።

እቲ ደገፍ ምምሕዳር ፕሬዚዳንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ንሩሲያ ንምውቃዕ ዘውፅኦ ትልሚ ዝሕግዝ ኢዩ ክብሉ ኤንኤችኬን ሲጂቲኤንን ፀብፂበን ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.