Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ንእግሪ ምትካል ክልል ትግራይ ኣድላዪ ደገፍ ከምእትገብር ኣምባሳደር ጊታ ፔቲ ኣፍሊጠን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ንእግሪ ምትካል ክልል ትግራይ ኣድላዪ ደገፍ ከምእትገብር ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ጊታ ፔቲ ኣፍሊጠን።

እተን ኣምባሳደር ምስ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ተዛቲየን።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ ጊዚያዊ ምምሕዳር ዶክተር ሙሉ ነጋን ካልኦት ኣባላት ካቢነን ብምርካብ፥ ኣድላይነት ኢቲ ወፍሪ ምኽባር ሕጊን ኣብቲ ክልል ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታትን መብርሂ ተዋሂቡ።

ዶክተር ሙሉ ነጋ፥ ኣብቲ ወፍሪ ጉድኣት ናዝበፅሖም ዜጋታት ሰብኣዊ ደገፍ ንምቕራብ መንግስቲ ኣሜሪካ እወንታዊ ምላሽ ከምዝሃበ ተዛሪቦም።

ኣሜሪካ ንእግሪ ምትካል ክልል ትግራይ ኣድላዪ ደገፍ ከምእትገብር ኣምባሳደር ጊታ ፔቲ ምግላፀን እውን ሓቢሮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.