Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ንሓይሊ ኣየር እስራኤል ድጋፍ ከምዝገበረት ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ትማሊ ምሸት ብኢራን ናብ እስራኤል ዝተተኮሱ ሚሳኤላት ንምፍሻል ሓገዝ ፀረ – ባላስቲክ ሚሳኤል ከምዝገበረት ኣፍሊጣ፡፡

ኣብ ፔንታጎን መግለፂ ዝሃቡ ኣቀባሊ ቃል ሓይሊ ምክልኻል ኣሜሪካ ሜጀር ጄኔራል ፓትሪክ ራይደር÷ ናብ ቴል ኣቪቭ ዘተተኮሱ ባላስቲክ ሜሳኤላት ንምፍሻል ኣሜሪካ በዝሒ ዘለዎም ፀረ ባላስቲክ ሚሳኤሎችን ኣዋፊራ ከምዝነበረት ኣረጋጊፆም፡፡

ኢራን ቅድም ክብል 110 ባላስቲክ ሚሳኤላትን 30 ናይ መርከብ ሚሳኤላትን ተኲሳ ከምዝነበረት ብምዝኽኻር÷ እቲ ናይ ሕዚ መጥቃዕቲ ኢራን ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ብቑፅሪ ዝበዝሑ ሚሳኤላት ዝተተኮሰሉ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።

ኣሜሪካ ብዛዕባ ምድላው መጥቃዕቲ ኢራን ኣፍልጦ ከምዘይነበራት እውን ገሊፆም።

የአሜሪካው ፕሬዚዳንት ጆ ባይደን በበኩላቸው÷ ኢራን ወደ እስራኤል የሚሳኤል ጥቃት መፈፀሟን ተከትሎ ከጠዋት ጀምሮ በነጩ ቤተ መንግስት በተገነባው የሁኔታ መከታተያ ክፍል ውስጥ መማሳለፋቸውን ተናግረዋል፡፡

አሜሪካ እስራኤል ባደረገችው የሚሳኤል መከላከል ድጋፍ ማድረጓንም አረጋግጠዋል፡፡

ጦር እስራኤል፤ ኢራን 180 ዝበፅሑ ሚሳኤላት ከምዝተኮሰት ዝገለፀ እንትኸውን ካብ ሞንጎ ዝተተኮሱ መብዛሕተኦም ሚሳኤላት ብፀረ ባላስቲክ ሚሳኤል ኣቢሎም ከምዝፈሸሉ ገሊፁ፡፡

ፕሬዚዳንት ኢራን ማሱድ ፔዜሽኪያን÷ “እቲ መጥቃዕቲ ረብሓ ኢራንን ድሕንነት ዜጋታትን ንምሕላው ዝተገበረ ወሳኒ ስጉምቲ ኢዩ” ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.