Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ናብ ዩክሬን ፀረ ሚሳኤል እንተልኢኻ ሩሲያ ግብረ መልሲ ከምትወስድ ኣጠንቂቓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሜሪካ ፓትሪዮት ዝተብሃለ ዘበናዊ ፀረ-ሚሳኤል ናብ ዩክሬን ትልእኽ እንተኾይና ኣድላዪ ዓፀፋዊ ግብረ መልሲ ክወስድ ኢ ክትብል ሩሲያ ኣጠንቂቓ።

ኣሜሪካ ፓትሪዮት ዝተብሃለ ኣዚዩ ዘበናዊ ፀረ ሚሳኤል ናብ ዩክሬን ንምልኣኽ ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ከምዝዛዘመት ሚኒስቴር ምክልኻል እታ ሃገር ኣፍሊጡ ኢዩ።

እቲ ሚሳኤል ኣብ ሃገረ ዩክሬን ኣብ ዝድለየሉ ዕላማ ንኽዋፈር፤ ክታም ፕሬዚዳንት ጆ ባይደን ጥራሕ ከምዝተረፎ እውን ተሓቢሩ፡፡

ኣቐባሊ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ማሪያ ዛካሮቫ ኣብቲ ጉዳይ ኣድሂቦም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ “ዋሸንግተን ፀረ ሚሳኤል ናብ ዩክሬን ንምልኣኽ ምሕሳባ ኣብ ኲናት ሩሲያ-ዩክሬን ብቐጥታ ተሳታፊት ምዃና ዘረጋግፅ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ናብ ዩክሬን ዝለኣኹ ዘበናዊ ኣፅዋራት ኣሜሪካ ንሓይሊታት ሩሲያ ዒላማ ዝገብሩ ከምዝኾኑ ምግላፆም ኣር ቲ ፀብፂቡ።

ትልሚ ኣሜሪካ ግልፂ ጎስጓስ ጎንፂ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ እቲ ትልሚ እንተተፈፂሙ ሩሲያ ኣድላዪ ግብረ መልሲ ከምዝተወስድ ኣጠንቂቖም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.