Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ብዴሞክራሲያዊ መገዲ ዝተመረፀ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክትድግፍ ይግባእ – ኣሜሪካዊት ሜሊሳ ዳቢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)መንግስቲ ኣሜሪካ ብዴሞክራሲያዊ መገዲ ዝተመረፀ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክድግፍ ይግባእ ክብላ ኣብ ኢትዮጵያ ንዑደት ዝመፅኣ ኣሜሪካዊት ሜሊሳ ዳቢ ገሊፀን።

ምስ ግዜኢ ፃንሒት ዝገበራ ኣሜሪካዊት ሜሊሳ ዳቢ፥ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ማዕቐብ ካብ ምንባር ክትቁጠብ ከምዝግባእ ተዛሪበን።

ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ብዴሞክራሲያዊ ተሳትፍ ህዝቢ ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ናብ ስልጣን ዝመፅአ መንግስቲ ማዕቐብ ምንባር ግቡእን ፍትሓዊን ኣይኮነን እውን ኢለን።

ኣሜሪካውያን ኢትዮጵያ ይፈትዉ ኢዮም ይኹ እምበር ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ነባራዊ ኩነታት ክርድኡ ዝኽእሉሉ ትኽክለኛ ሓበሬታ እናረኸቡ ከምዘይኮኑ ገሊፀን።

ሲ ኤን ኤን፣ ቢ ቢ ሲ፣ ኣልጀዚራን ካልኦት ዓለም ለኸ ማዕኸናት ዜና ንኢትዮጵያ ኣመልኪተን ናይ ሕሶት ሓበሬታ እናመሓላለፋ ከምዝኾና ኣብሪሀን።

ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ዝፀንሐን ጥንኩርን ምሕዝነት ዘለወን ሃገራት ስለዝኾና እዚ ተጣናኺሩ ክቕፅ ከምዝግባእ ሜሊሳ ዳቢ ኣገንዚበን።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.