ኣሜሪካ ብምኽንያት ድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት ዝውዕል 488 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ገይራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት ዝውዕል 488 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ገይራ።
ኣፈፃሚት ጉዳይ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ትሬሲ ኣን ጃኮብሰን፥ እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣመልኪተን ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ሂበን።
ኣብ መግለፂአን ድማ እቲ ሓገዝ ብምኽንያት ድርቂ ቅልጡፍ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዝደልዩ 4 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዜጋታት ዝውዕል ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡
ህፁፅ ሓገዝ ምግቢን ዝተመጣጠነ ምግቢን ንህፃናት ከምዝቐርብ ኣብቲ መግለፂ ከምዝተልዓለ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com