ኣሜሪካ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ብቐፃልነት ዝቐርበሉ ዘሎ ኩነታት ንኢዳ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣሜሪካ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ብቐፃልነት ዝቐርበሉ ዘሎ ኩነታት ንኢዳ።
ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ብሓፈሻ ኣብ ክልልት ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ደገፍ ንዝደሊዩ ዝቐርበሉ ዘሎ መገዲ ከምእትንእድ ኢዩ ኣፍሊጡ።
ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ መዓልታት 1 ሺሽን 100 ተሽከርከርቲ ህይወት ኣድሕንን ዝተመጣጠነን ምግቢ፣ ናውቲታት ሕክምናን ካልኦትን ኣድለይቲ ናውቲታት ብምሓዝ ናብቲ ክልል ምእታወን ሓቢሩ።
እቲ ኣቕርቦት ዝተሳለጠ ንክኸውን መንግስቲ ፌዴራልን ክልላትን ዝገብርዎ ዘለዉ ምውዳድ ከምእትንእድ ኣፍሊጡ።
ትካላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሓዊሱ ካልኦት ዓለም ለኸ ትካላት ሓገዝ ዝገብርዎ ዘለዉ ፃዕሪ ከምዝኾነ እውን ሓቢሩ።
እዚ ኣጋጣሚ ኩሎም ወገናት ጎንፂ ብዘላቕነት ደው ንምባል ከምዝጠቅም ኢዩ እቲ መግለፂ ሓቢሩ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።