Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ረቂቕ ሕጊ ኤች ኣር 6600 ዘውፀአቶ ንሰላም እቲ ቀጣና ብምሕሳብ ኣይኮነን- ፍራንሲስካ ሮንችን

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ረቂቕ ሕጊ ኤች ኣር 6600 ዘውፀአቶ ንሰላም እቲ ቀጣና ብምሕሳብ ዘይኮነስ ፓለቲካዊ ባህጋ ንምምላእ ኢዩ ክትብል ጣሊያናዊት ጋዜጠኛ ፍራንሲስካ ሮንችን ተዛሪባ።

ፍራንሲስካ ሮንችን ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበራ ፃንሒት፥ እቲ ረቂቕ ሕጊ ባንኪ ዓለምን ዓለም ለኸ ትካል ገንዘበን ንኢትዮጵያን ኤርትራን ዝህብዎ ልቓቀሕ ንክትቃወም ዝድንግግ ኢዩ ኢላ።

እቲ ሕጊ እንድሕር ፀዲቑ ምንቅስቓስ ኢኮኖሚን ናብራን ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ዝጎድእ ከምዘኾነ ተዛሪባ።

ኣሜሪካ እቶም ረቀቕቲሕጊታት ንሰላም፣ ዴሞክራሲን ምርግጋዕን ግደ ከምዘለዎም እንተገለፀት እውን እቲ ሓቂ ግን ተፃራሪ ከምዝኾነ ሓቢራ።

ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ትሑት ናብራ ዘሎ ክፋል ሕብረተሰብ ኣዝዩ ዝጎድእ ከምዝኾነ ገሊፃ።

እዚ ድማ ኣጀንዳ 2063 ሕብረት ኣፍሪካን ኣጀንዳ ዘላቒ ልምዓት 2030 ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ንከይዕወቱ ምኽኒያት ከምዝኾን ኣብሪሃ።

ብሚኪያስ ኣየለ

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.