Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ሓዊሱ ዝተለያ ሃገራት ዲፕሎማሰኛታተን ካብ ሱዳን የውፃኣ ኣለዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ሓዊሱ ዝተለያ ሃገራት ዲፕሎማሰኛታተን ካብ ሱዳን ካርቱም ከውፅኣ ጀሚረን።

ፕሬዚዳንት ኣሜሪካጆ ባይደን÷ ኣብ ሱዳን ካርቱም ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታትን ስድረኦምን ሎሚ ነታ ሃገር ለቒቖም ከምዝወፅኡ ገሊፆም፡፡

እቶም ዲፕሎማሰኛታት ጦር ኣሜሪካ ብዘካየዶ ዕዉት ኦፕሬሽን ኢዮም ካብ ሱዳን ካርቱም ብሰላም ክወፅኡ ክኢሎም፡፡

ፕሬዚዳንት ባይደን ድፕሎማሰኛታት ንምውፃእ ኣብ ዝተገበረ ዕዉት ስራሕ ንመንግስታት ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲን ስዑድ ዓረብን ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

እቶም ፕሬዚዳንት፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሱዳን ዝርከብ ኤምባሲ ዩናይትድ ስቴትስ ኣገልግሎት ምሃብ ጠጠው ከምዘበለ ምርግጋፆም ቢ ቢ ሲ ፀብፂቡ፡፡

ብተመሳሳሊ 150 ዝኾኑ ዲፕሎማሰኛታት ስዑድ ዓረብ፣ ግብፂ፣ ካናዳ፣ ህንዲ፣ ኩዌት፣ ፓኪስታንን ቱኒዚያን ከምኡ እውን ኣመራርሓታት ዓለም ለኸ ትካላት ብባሕሪ ካብ ሱዳን ናብ ስዑድ ዓረብ ከምዝኣተዉ ተገሊፁ። ፈረንሳይ፣ ቻይና፣ ቱርኪ፣ ብሪታንያ፣ ስፔንን ካልኦት ሃገራትን እውን ኣብ ሱዳን ካርቱም ዝርከቡ ዲፕሎማሳኛታተን ንምውፃእ ስራሕ ከምዝጀመራ ተሓቢሩ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.