Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ሓዊሱ ብዙሓት ሃገራት ዜጋታተን ብህፁፅ ካብ ሊባኖስ ንኽወፅኡ ኣተሓሳሲበን

ኣዲስ አበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ሓዊሱ ብሪታንያ፣ ፈረንሳይ ፣ ስዊድን፣ ካናዳን ጆርዳንን ዜጋታተን ብህፁፅ ካብ ሊባኖስ ንኽወፅኡ ኣተሓሳሲበን፡፡

እቲ መተሓሳሰቢ ዝተመሓላለፈ÷ ቅትለት ሓላፊ ፖለቲካ ሃማስ እስማኤል ሃኒያህን ስዒቡ ኢራን ግብረ መልሲ ከምትህብ ምሕናያ ስዒቡ ኢዩ፡፡

ኣሜሪካ ኣብ ሊባኖስ ዝነብሩ ዜጋታታ ዝኾነ ይኹን ትኬት በረራ ተጠቒሞም ብህፁፅ ካብታ ሃገር ንኽወፅኡ ኣተሓሳሲባ ኣላ፡፡

ሎሚ ወጋሕታ ሂዝቦላህ ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ኣብ ትርከብ ከተማ ቢየት ሂለል ብዙሓት ሮኬታት ከምዘወንጨፈን ኣብ ሞንጎኦም ዝተፈጠረ ወጥሪ ስዒቡ ኣብ ሊባኖስ በርካታ ብዙሓት በረራታት ከምዝተሰረዙን ተሓቢሩ፡፡

ኣሜሪካ ጦር እስራልን ንምሕጋዝ ብዝብል ናይ ጦር መራኽባን ተዋጋእቲ ጄታታት ናብቲ ቦታ ከምዘዋፈረት ዝገለፀት እንትትከውን÷ ብሪታንያ እውን ወታደራዊ መራኽባን ሓይሊ ኣየራን በተጠንቀቕ ጠጠው ንኽብሉ ምእዛዛ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.