Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካን ቻይናን ወተሃደራዊ ርክብ ክጅምራ ተሰማሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካን ቻይናን ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ንምቅላል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ወተሃደራዊ ርክብ ዳግማይ ክጅምራ ከምዝተሰማምዓ ፕሬዚደንት ጆ ባይደን ገሊፆም።

ትማሊ ረቡዕ ምስ ፕሬዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒን ኣብ ካሊፎርንያ ድሕሪ ዘካየድዎ ርክብ፥ “ናብ ቀጥታዊ፣ ቅኑዕን፣ ንፁር ርክባት ተመሊስና ኣለና” ኢሎም።

ብተወሳኺ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ሞንጎኦም ቀጥታዊ መስመር ርክብ ንምምስራት ከምዝተሰማምዑ ሓቢሮም።

ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ድሕሪ እቲ ኣብ ሳንፍራንሲስኮ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣፔክ (እስያ – ፓስፊክ) ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለ፥ ፅቡቕ ዝኾነ ርክብ ዘይምህላው ሓደጋታት ብኸመይ ከም ዘስዕብ ሓቢሮም።

ክልቲኦም ፕሬዚደንታት ድሕሪ ሕዚ ቴሌፎን ብቕፅበት ኣልዒሎም ብቐጥታ ክዘራረቡ ከም ዝኽእሉ እውን ተዛሪቦም ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ክልቲኦም መራሕቲ ድሕሪ ልዕሊ ሓደ ዓመት እዮም ብኣካል ተራኺቦም ዝዘራረቡ ዘለው ተባሂሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.