Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካን ብሪታኒያን ኣብ ትሕዝቶታት ዓመፅቲ ሁቲ ከምዝደብደቡ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካን ብሪታኒያን ትሕዝቶታት ዓመፅቲ ሁቲ ኢዮም ኣብ ዝበሉዎም ከባቢታ ደብዳብ ከምዝፈፀሙ ተገሊፁ።

ክልቲአን ሃገራት ሎሚ መዓልቲ ብጥምረት ስጉምቲ ወሲደን ዘለዋ÷ እቶም ዓመፅቲ ንሰሙናት ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ መጥቃዕቲ እናፈፀሙ ምፅነሖም ስዒቡ ከምዝኾነ ዘ ታይምስ ኦቭ እስራኤል ፀብፂቡ፡፡

በቲ መጥቃዕቲ መዕርፎ ነፈርቲ፣ መገዲ ኣየራትን ጦር ካምፕን ከምዝተወቕዑ ጣቢያ ቴሌቪዥን ዓመፅቲ ሁቲ ኣል-ማሲራህ ፀብፂቡ፡፡

ሚኒስትር ምክልኻል ኣሜሪካ ሎይድ ኦስቲን ብግደኦም÷ ስጉምቲ ዝተወሰደሎም ዓመፅቲ ሁቲ ኣብ ዝጥቀሙለን ሰብ ኣልቦ ድሮናት፣ ባላስቲክን ክሩዝን ሚሳኤላት ከምኡ እውን ራዳራት መቆፃፀሪ ክልል ኣየር ዶብን ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

ኢራን፣ ጉጅለ ሄዝቦላህን ሃማስን÷ እተን ሃገራት ብጥምረት ዘብፀሐኦ መጥቃዕቲ ምኹናነን ተገሊፁ፡፡

እቲ ደብደብ “ሉኣላዊነትን ግዝኣታዊ ሓድነን የመን ዝጠሓሰ ከምኡ እውን ዓለም ለኸ ሕጊታት፣ ደምቢታትን መሰላትን ዝጠሓሰ ኢዩ” ክብሉ ተቓዊሞም፡፡

ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን÷ ዓፀፋዊ ስጉምቲ ዝተወሰደ እቶም ዓመፅቲ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ምፍፃመን ስዒቡ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.