Fana: At a Speed of Life!

ኣማኻሪ ጉጅለ ኣካላት በዓል ብዙሕ ግደ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ዝሳተፉሉ ኣኼባ ኣብ ጄኔቭ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ምምሕዳር ኢንተርኔት ፈጣሪ ፅዕንቶ ንክኾን ኣማኻሪ ጉጅለ ኣካላት በዓል ብዙሕ ግደ እናሰርሐ እዩ ክብላ ሚኒስተር ዲኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ወይዘሮ ሑሪያ ዓሊ ገሊፀን፡፡

ኣማኻሪ ጉጅለ ኣካላት በዓል ብዙሕ ግደ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ዝሳተፉሉ ኣኼባ ኣብ ጄኔቭ ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣብቲ ኣኼባ እናተሳተፋ ዝርከባ ሚኒስተር ዲኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ወይዘሮ ሑሪያ ዓሊ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ምምሕዳር ኢንተርኔት ፈጣሪ ፅዕንቶ ንክኾን ኣማኻሪ ጉጅለ ኣካላት በዓል ብዙሕ ግደ ይሰርሖም ዘሎ ተግባራት ኣመስጊነን፡፡

እቲ መድኽ ካብ ዝተለመዱ ተሳተፍቲ ብተወሳኺ ካብ ውልቀ ዘፈር ኣፍሪካ፣ ማሕበረሰብን መናእሰይን ብምውሳኽ ሓደሽቲ ተሳተፍቲ ዝስሕብ ክንገብሮ ኢና ኢለን፡፡

እቲ ጉባኤ ርክብ በይነ መረብ ኣብ ተበፃሕነት፣ ሕፅረት፣ ህፁፅ መሰረተ ልምዓት በይነ መረብን፣ ምቅልጣፍ ዲጂታል ኢኮኖሚ፣ መሳርሒ በይነ መረብ እዚ ዘመንን ምስትውዓል ወዲ ሰብን ኣድሂቡ ከምዝሰርሕ ገሊፀን፡፡

ብተወኺ ብበይነ መረብ ዝፍጸም ገበንን ምጭብርባርን ከምኡ እውን ኣብ ዝርገሐ ናይ ሕሶት ሓበሬታ ትኹረት ከምዝገብር ተዛሪበን።

ኢትዮጵያ መበል 17 ጉባኤ ምምሕዳር ኢንተርኔት ንምድላው ካብ ከፖላንድ ተቐቢላ ኣብ ምድላው ከምትርከብ ካብ ሚኒስትሪ ምህዞን ቴክኖለፐጂን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.