Fana: At a Speed of Life!

ኣመራርሓ ብምቕንፃል ፀገም ክልል ኣምሓራ ምፍታሕ ኣይከኣልን – ይልቃል ከፋለ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመራርሓ ብምቕንፃል ፀገም ክልል ኣምሓራ ምፍታሕ ኣይከኣልን  ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ይልቃል ከፋለ (ዶ/ር) ገሊፆም።

“ፈተናታት ናብ ዕድል ብምቕያር ህዝብና ክነሻግር ኢና” ብዝብል መሪሕ ቃል ኮንፈረንስ ላዕለዎትን ማእኸለዎትን ኣመራርሓ ክልል ኣምሓራ ኣብ ባህርዳር ይሳለጥ ኣሎ።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ እቲ ክልል መራሒ ብምስኣንን ሰላም ህዝቢ ብምግሃስን ዝመፅእ ውፅኢት የለን ኢሎም።

ኣመራርሓ ብምቕንፃል ፀገም ክልል ኣምሓራ ምፍታሕ ኣይከኣልን ዝበሉ ይልቃል ከፋለ (ዶ/ር)፥ ንህዝቢ ዝተኣተዉ ቃላት ቆፂርካ ንምፍፃም ርብርብ ምግባር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

“ብኣንጀንዳታት ፅንፈተኛታት እናተመራሕና ካብ ልምዓትን ብልፅግናን ጉዕዞና ክንዕገት ኣይግባእን” ኢሎም።

እቲ ኮንፈረስ ኣባላትን ኣመራርሓን ፓርቲ ብልፅግና ኣብቲ ክልል ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ግንዛበ ንምጭባጥ ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ መድረኽ ልዕሊ 1 ሺሕን 400 ላዕለዎትን ማእኸለዎትን ኣመራርሓ ይሳተፉ ከምዘለዉ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.