Fana: At a Speed of Life!

ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ንዘለዉ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝኸውን ደም ለጊሶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ህዳር፣2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ንዘለዉ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝኸውን ደም ለጊሶም።

ፕሬዚዳንት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣይተ ኣቤ ሳኖ ተረኺቦም ደም ለጊሶም።

እቲ ባንኪ ኣብ መላእ ሃገር ልዕሊ 63 ሺሕ ሰራሕተኛታት እንትህልዉዎ፥ ሎሚ መዓልቲ ኩሎም ሰራሕተኛታት ደም ይልግሱ ኣለዉ ተባሂሉ።

ኣብቲ ምልጋስ ደም ዝተሳተፉ ሰራሕተኛታት፥ ጉጅለ ህወሓት ክብሪ ሃገር ንዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ እንትሰምዑ ልዑል ሓዘን ከምዝተሰመዖም ገሊፆም።

ፅንፈኛን ዘራፍን ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኩርዓት ሃገር ዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ስዒቡ ደም እናለገሱ ከምዝርከቡ ኣፍሊጦም።

እቶም ሰራሕተኛታት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምድጋፍ ካብ ኩሉ ነገር ክቕድም ከምዝግባእ እዮም ተዛሪቦም።

ሃገር ንምድሓን ኣብ ጫካን ገደልን ንዝዋደቕ ዘሎ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ደም ካብ ምልጋስ ብተወሳኺ ብገንዘብን ካልኦት ደገፍ ብዘድሊዩ ጉዳያትን ኣድላዪ ኩሉ ንምግባር ምድላዎም እውን ገሊፆም።

ብፈትያ ኣብደላ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.