Fana: At a Speed of Life!

ኣመራርሓን ህዝብን ናይ ተግባር ሓድነት ብምፍጣር ሃገር ከድሕን ኣለዎ- ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ኩነታት ብምድሃብ ተዛቲዮም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓትን ተለኣኣኽቱን ኢትዮጵያ ኣነ እንተዘይመሪሐያ ትፍረስ፣ ትበታተን ብዝብል ዕላማ ይሰርሑ ከምዝለዉ ኩሉ ብዝግባእ ክግንዘቦ ይግባእ ኢለን እተን ከንቲባ።

“እቲ ዘንፀላለወና ሃገር ናይ ምፍራስ ሓደጋ ነምክልኻል ኩሉ ኣመራርሓ ተዋዲዱ፣ ተናቢቡን ናይ ተግባር ሓድነት ፈጢሩን ሃገር ካብ ምብታንን ሃገር ኣልባ ካብ ምዃንን ክፉእ ትምኒት ምክልኻል ይግባእ” ኢለን።

ምምሕዳር እታ ከተማን መላእ ህዝብን ንሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ካልኦት ሓይሊታት ፀፅታን ብሞራልን ሎጂስቲክስን ብምድጋፍ ደጀንነቱ ከርእይ ኣለዎ ክብላ ገሊፀን።

መናእሰይ እውን ናብ መከላከያ ሰራዊት ብምሕዋስ ልዑል መስዋእትነት ዝተኸፈሎ ሃገራዊ ለውጢ ብፅንፈኛ ጉጅለታት ንከይፈርስ ምቅላስ ከምዘለዎም ፃውዒት ምቕራበን ካብ ፕሬስ ሴክሬታሪያ ኣዲስ ኣበባ ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.