Fana: At a Speed of Life!

ኣመራርሓን ህዝብን ሙሉእ ዓቕሙ ኢትዮጵያ ኣብ ምድሓን ክገብር ይግባእ-ፓርቲ ብልፅግና ክልል ሃረሪ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ክልል ሃረሪ ኣይተ ኣብዱጀባር መሓመድ ኣብ እዋናዊን ሃገራዊን ኩነታት ብምድሃብ መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኢትዮጵያ ንምፍራስ ዝሕግዝዎ ናይ ወፃኢ ፀላእቲን ናይ ውሽጢ ተለኣኣኽቲን ኣተሓባቢሩ ብኹሎም ኣንፈታት ውግእ ከፊቶም ኢዮም።

ኣብ ልዕሊ ሃገር ዘነፃፀረ ሓደጋ ንምምካት ህዝብን መንግስቲን ሰፊሕ ርብርብ ይገብር ኣሎ ኢሎም።

ኣብ ክልለ ሃረሪ በቢብርኩ ዝርከብ ኣመራርሓን ነባርን ብዝተፈላለየ መልክዑ ብቑርፀኝነት ይንቀሳቐስ ከምዘሎ እውን ተዛሪቦም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ኣመራርሓን ህዝብን ውስብስብ ባህሪ እቲ ኲናት ብምግንዛብ ሙሉእ ትኹረቱን ዓቕሙን ኢትዮጵያ ኣብ ምድሓንን ሰላም እቲ ክልል ኣብ ምሕላውን ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

ዘነፃፀሩልና ሃገር ናይ ምፍራስ ሓደጋ ንምክልኻልን ንምስዓርን ኩሉ ኣመራርሓ ተዋዲዱ፣ ተናቢቡን ሓድነት ተግባር ፈጢሩን ካብ ብተናን ክፉእ ትምኒትን ምድሓን ከምዝግባእ ገሊፆም።

መላእ ነበርቲ እቲ ክልልን ኣባላት ፓርቲን ንሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ካልኦት ኣካላት ፀፅታን ብሞራል ሎጂስቲክስ ናይ ምድጋፍ ተግባሩ ምጥንኻር ኣድላዪ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።

መናእሰይ እውን ናብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምሕዋስ መስዋእትነት ዝተኸፈለላ ሃገር ንከቐፅሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብተወሳኺ ኣመራርሓን ህዝብን ሙሉእ ዓቕሙ ኢትዮጵያ ኣብ ምድሓን ክገብር ይግባእ ኢሎም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.