Fana: At a Speed of Life!

ኣመራርሓታት ፖሊስ ፌዴራል ደም ለጊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ኣመራርሓታትን ኣባላትን ፖሊስ ፌዴራል “ደምና ንሰራዊትና” ብዝብል መሪሕ ቃል ደም ለጊሶም።

ኣመራርሓታትን ኣባላትን ዳይሬክቶሬት ዘፈር ፈጥኖ ደራሽ ምክልኻል ገበን ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ፥ ጎና ጎድኒ ተግባራት ምክልኻል ስራሕቲ ገበን ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንምምካት ኣብ ወፍሪ ንዝርከቡ ኣካላት ደም ለጊሶም፡፡

“ደምና ንሰራዊትና” ብዝብል መሪሕ ቃል ድሬዳዋ ምስ ዝርከብ ብሀራዊ ባንኪ ደም ብምትሕብባር ደም ዝለገሱ እቶም ኣባላትን ኣመራርሓታትን ፖሊስ ፌዴራል፥ ሉኣላዊነትን ክብሪን ሃገር ንምድፋር ዝንቀሳቐሱ ልኡኻት እኩይ ተግባር ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብምምካት ንዜጋታት ሰላም ልዕልነት ሕጊ ንኽኽበር ክሳብ ህይወት መስዋእትነት ንምኽፋል ዕዙዝ ምድላው ከምዝገበሩ ገሊፆም፡፡

እቲ ልገሳ ደም ህልውና ሃገር ንምኅባር ኣብ ዝተፈላለዩ ግምባራት ተዋፊሮም ንዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል፣ ፖሊስ ፌዴራልን ካልኦት ኣካላት ፀፅታን ከምዝኾነ ካብ ፖሊስ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.