Fana: At a Speed of Life!

ኣመራርሓታት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ቤት ፅሕፈታት ክልላት ደቡብን ኣምሓራን እናካየዱዎ ዝጸንሑ ስልጠና ዛዚሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣመራርሓታት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ቤት ፅሕፈታት ክልላት ደቡብን ኣምሓራን ንሓሙሽተ መዓልቲታት እናካየዱዎ ዝጸንሑ ስልጠና ሎሚ መዓልቲ ዛዚሞም።

ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ክልል ኣምሓራ ቀዳማይ ስልጠና ኣመራርሓ ሎሚ መዓልቲ እንትዛዘም ልዑል ሓበራዊ ምርድዳእ ዝተፈጠረሉ ከምዝነበረ ተሓቢሩ።

ኣብቲ መድረኽ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራን ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅናን ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ ክልል፣ ዞባን ወረዳታትን እቲ ክልል ተሳተፍቲ ኮይኖም።

ኣብቲ ስልጠና ልዕሊ 700 ዝኾኑ ኣመራርሓታት ከምዝተሳተፉ ኤመሓኣ ፀብፂቡ።

ብተመሳሳሊ ዜና ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ክልል ደቡብ ከተማ ኣብ ሃዋሳ እናሳለጡዎ ዝቐነዩ ስልጠና ኣመራርሓታት ዛዚሞም ኣለዉ።

ሓላፊ እቲ ጨንር ቤት ፅሕፈት ኣይተ ጥላን ከበደ ኣብ መዛዘሚ እቲ ስልጠና ከምዝገለፁዎ፥ ኣመራርሓታት ኣብ ኣምር ምድማርን መሰራታዊ መምርሒታት ብልፅግናን እኹል መረዳእታ ሒዙ እዋናዊ ፈተናታት ንምስጋር ዘኽእሉዎ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ክሕዙ ከምዝግባእ ኢዩ።

ምስ ውዳበ ምሕደራ ተተሓሒዙ እውን ሰናይ ርክብን ሕውነትን ህዝቢታት ብዘጠናኽር መልክዑ ክስራሕ ከምዝግበኦን ሰላማዊ ብዝኾነ መገዲ ክዛዘም ዝግበኦ ጉዳይ ከምዝኾነን ብምግንዛብ ኩሉ ኣመራርሓ ብሓባር ክንቀሳቐስ ኣለዎ ኢሎም።

እቲ መዕበዪ ዓቕሚ ስልጠና፥  ኣብ ሞንጎ ኣመራርሓታት ኣንፃራዊ ዝኾነ ምቅርራብ ሓሳብን ተግባርን ንምፍጣር ዘኽእል ኩነታት ከምዘመቻቸወ ከምዝነበረ ተሓቢሩ።

ብብርኪ ክልል ዝተውበ እቲ ስልጠና፥ ልዕሊ 500 ዝኾኑ ካብ ክልል፣ ዞባ፣ ካብ ወረዳን ፍሉይ ወረዳን ከምኡ እውን ካብ ምምሕዳር ከተማታት ዝተውፀእፅኡ ኣመራርሓታት ከምዝተሳተፉሉ ካብ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ክልል ደቡብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.