Fana: At a Speed of Life!

ኣመራርሓታት ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ ኣብ ከተማ ጅማ ምስ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣመራርሓታት ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ ኣብ ከተማ ጅማ ምስ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ተዛቲዮም።

ተሳተፍቲ እቲ ዘተ “ጁንታ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይን ኢትዮጵያን በዲሉ ኢዩ” ኢሎም።

እቲ ጉጅለ ሃገር ንምፍራስ ላዕሊን ታሕቲን እናበለ ቀዲሙ ብዝፈሓሮ ጉድጓድ ከምዝኣተወ እውን ገሊፆም።

እቲ ጉጅለ ኣብ ልእሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝፈፀሞ በደል፥ ሰብ ምዃኑ ክጠራጠሩ ከምዝገበሮም እውን ተዛሪቦም።

የትግራይ ህዝብ ከሌሎቸ ወንድም እና እህት የኢትዮጵያ ህዝብ ጋር የሀገሪቷን ህልውና ሲጠብቅ መቆየቱን ገልፀዋል

ህዝቢ ትግራይ፥ ምስ ካልኦት ኣሕዋት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ህልውና ሃገር እናሓለወ ምፅንሑ ገሊፆም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት እቲ ፓርቲ ኣይተ ነቢዩ ስሑል፥ ህዝቢ ትግራይ ብጁንታ ህወሓት ዝተነገደሉ እምበር ተረባሒ ከምዘይነበረ ገሊፆም።

እቲ ጉጅለ ንስድራቤት ኣባላት እቲ ፓርቲ እምበር ንረብሓ ህዝቢ ጠጠው ዝበለ ከምዘይነበረ እውን ኣልዒሎም።

ካሊእ ሓላፊ እቲ ፓርቲ ኣይተሓጎስ ወልደኪዳን ብግደኦም፥ ፓርቶም ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ምስ ዝርከቡ ተወለድቲ እቲ ክልል ዘዕግብ ዘተ እናገበረ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ሓደ ከምዘይኮነ ድማ ህዝቢ ኣብ እዋን ወፍሪ ምኻባር ሕጊ ቅዋሙ ኣርኢዩ ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.